መውሃቢ ዕለት ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ከምዝተቐየረ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

መውሃቢ ዕለት ብሄራዊ ፈተና 8ይ ክፍሊ ካብ ሎሚ 18 ታሕሳስ ጀሚሩ ከምዝወሃብ ኤጀንሲ ምርግጋፅ ፅሬት ትምህርቲ ኣቐዲሙ ኣፍሊጡ’ኳ እንተነበረ እቲ ፈተና ዝወሃበሉ ዕለት ብሰንኪ ክፃፈፉ ዝግበኦም ሓደ ሓደ ግደፈታት ንዕለት 24ን ፣ 25ን 26ን ታሕሳስ ከምዝተናወሐ ተወካሊ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ርክብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣይተ ሰለሙን ገብረታትዮስ ንቲ ኤጀንሲ ብምውካስ ን104.4 ሬድዮ FM መቐለ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ ገሊፆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *