መኸተና ይብርኽ ኣሎ፡፡ ንመኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝዉዕል ልዕሊ 36 ሚልዮን ብር ገንዘባዊ ሓገዝ ተለጊሱ ፡፡

ንመኸተ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ዝዉዕል ሓገዞም ዘበርከቱ፡-

# ማሕበር ልምዓት ትግራይ 24 ሚልዮን ብር

# ቤት ፅሕፈት ምግባረ-ሰናይ ትእምት 10 ሚልዮን ብር

# World Vision Ethiopia North Region Office 1ሚልዮንን 832 ሽሕን 425 ብር

# ዘኒት ገብስ እሸት ኢትዮጵያ 100 ሽሕ

# ሰራሕተኛታት ትካል ምግቢ ዓለም ጨንፈር መቐለ 100 ሽሕ

# ማሕበር ንግዲ ኣክስዮን ኖርዝ ስታር 100 ሽሕ

# ዋና ምስንዳእ ጋዜጣ ወይን 65 ሽሕን 500 ብር

# ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ኤርትራን 36 ሽሕን 700 ብር ብድምሩ ልዕሊ 36 ሚልዮን ብር ሓገዝ ንቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ሓደጋ ምክልኻልን ድልውነትን ትግራይ ኣረኪቦም፡፡ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምርኽኻብ ዝተረኸቡ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ሓላፊ ቢሮ ንግድን ኢንዳስትርን ልምዓት ከተማን ዶ/ር ኣብርሃም ተኸስተ ከምዝበልዎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ንምምካት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ትግራይ ብምስላፍ ክንምክቶ ይግባእ ኢሎም፡፡ኣብ መወዳእታ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ገጠር ልምዓት ሓላፊ ሓደጋ ምክልኻልን ድልውነትን ኣይተ ገብረእዝግኣብሔር ኣረጋዊ ነቲ ዝተገበረ ሓገዝ ኣመስጊኖም ኣለዉ ከም ፀብፃብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ፡፡


0