“መንግስቲ ፌደራል – ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ንምምካት ሃገራዊ ህፁፅ ግብረ መልሲ ክህብ ንፅውዕ።” – ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ።

መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥሜት ንምምካት ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ተጠቒሙ ህፁፅ ግብረ መልሲ ክህብ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ፀዊዑ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኮሚሽን ሓደጋን ግብረ መልስን ኢትዮጵያ ኣንባሳደር ሽፈራው ተኽለማርያም ኣብ ትግራይ ጥሜት የለን ኢሎም ዝሃብዎ መግለፂ ሓላፍነት ዝጎዶሎን ሓደገኛን ተግባር ምኻኑ ዝገለፀ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ብድርቂ ዘስዓቦ ጥሜት ግዳይ ሞት ዝኾኑ ተጋሩ ክሕደት ምኻኑ ኣፍሊጡ።

ሓላፍነት ዝጎዶሎ መግለፂ ላዕለዋይ በዓል መዚ ፈደራል ብህፁፅ ምርመራ ብምግባር መአረምታ ስጉምቲ ክወስድ እዉን ጂኤስ ቲኤስ ፀዊዑ።

መንግስቲ ፌደራል ነቲ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ጥምየት ብዝፈትሕ መንገዲ ህፁፅ ግብረ መልሲ ዝህብን ኩሉ ሃገራዊ ዓቕምታት ብቕልጡፍ ነቲ ሓደጋ ንምምካት ብዘኽእልን ወፍሪ ክገበርን ዝሓተተ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ምስ ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ርክብ ብምፍጣር ንሓደጋ ጥሜጥ ትግራይ ምላሽ ዝህብ ዓለም ለኻዊ ጉጅለ ዕማም ከጣይሽን ህፁፅ ግብር መልሲ ክህብን ኣገንዚቡ።

ሓደጋ ድርቂ ንምምካት ኣብ ኣዲስ ኣበባ መድራኽ መተኻኸቢ ዘዳለዉ ዘለዉ ዝተኣሰሩ ተጋሩ ኣርቲስትታት ብህፁፅ ክፍትሑ ድማ ዓለም-ለኸ ማሕበረሰብ ሙሁራትን ሰብ ሞያን ትግራይ ፀዊዑ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *