“መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያን ካብ ሕገ መንግስትን ወፃእ ጉዳይ ዞባ ምዕራብ ብሪፈረንደም ክውድኦየ ዝብል ዝህቦ ዘሎ መግለፂ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘየሳንን’ዩ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ።

” ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኩነታት ክሃድእ ሰላም ክሰፍን እንተኾይኑ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምትግባር ግዜ ዝውሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን።” – ኣምበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪቪን ጆዜ ማሲንጋ።

ብኣምበሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤሪቪን ጆዜ ማሲንጋ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ፕሬዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳን ላዕለዎት ሰብ መዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዘካየድዎ ዘተ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተውሃበ መብርሂ እዩ ።

እቲ ዝተሳለጠ ምይይጥ ኣብ ጉዳይ ፀጥታን ሰብኣዊ ሓገዝን ከምኡ እውን ኣብ መስርሕ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዝምለሱን ዳግም ዝጣየሱ ተሰናበቲ ሰራዊትን ሰፊሕ ዘተ ከምዝተኻየደን ፤ፕረዝደንት ጌታቸው ረዳ ውዕሊ ፕሪቶርያ ብርክት ዝበሉ ዕድላትን ጥቕምታትን ሒዙ ከምዝመፀ ኩሉ መሊኡ በዘይምትግባሩ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ብውዕሊ ፕሪቶርያን ሕገ መንግስትን መሰረት ዘይምፍፃሙ ግን ከቢድ ሃስያ የብፅሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ፌደራል ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ምኽታም ውዕል ፕሪቶርያን ካብ ሕገ መንግስቲ እዛ ሃገር ወፃኢ ጉዳይ ዞባ ምዕራብ ብሪፈረንደም ክውድኦየ ዝብል ዝህቦ ዘሎ መግለፂ ተቐባልነት ዘይብሉን ዘየሳንን ፖለቲዊ መስርሕ’ዩ ክብሉ ፕረዚዳንት ጌታቸዉ ረዳ ገሊፆም።

ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ንክምለሱ እንተኾይኖም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምስ ሙሉእ መሓውሩ ክኸውን ከምዝግባእ ዝሓበሩ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ እቲ ተጀመሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ንምዑማቕ ጉዳይ ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ናብ ንብር ናብረኦም ኣብ ምምላስ’ውን ብቑልጡፍ ክትግበር ዝግበኦ ወሳኒ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ኤልቪን ብወገኖም ኣብዚ ዞባ ዘሎ ኩነታት ክሃድእ ውዕሊ ፕሪቶርያ ምትግባር ግዜ ዝውሃቦ ጉዳይ ኣይኮነን ፤ ንዚ ንምትግባርን ኣብ ልዕሊ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ኩለ መዳይ ሓደጋ ንክፍታሕ ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

መስርሕ ምስንባትን ዳግመ ምጥያስን ብዝምልከት ምስ ዓለም ማሕበረሰብ ኮይንና ንተግባራውነቱ ክንሰርሕ ኢና ዝበሉ እቶም ኣምባሰደር ምስ ሰብ መዚ ጊዝያዊ ምምሕዳር ዝነበረ ዘተ እኹል ግንዛበ ከም ዝፈጠረሎም ኣረዲኦም’ለው ከም ፁብፃብ ቤት ፅሕፈት ፕረዚዳንት ትግራይ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *