መንግስቲ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ብነዳዲ ዝሰርሓ መካይን ኣንቢርዎ ዝነበረ እገዳ ኣልዒልዎ።

ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ቋንቋ እንግሊዝኛ ሕታሙ ንንባብ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ መንግስቲ ፌደራል ብዘይካ ብኤሌትሪክ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ጥራይ ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዋ ብነዳዲ ዝሰርሓ ሙሉእ ብሙሉእ ንኸይኣትዋ ዘንበሮ እገዳ ኣልዒልዎ’ሎ።

መንግስቲ ፌደራል ንቲ እገዳ ከልዕሎ ዝተገደደ ብሰንኪ ዝበፅሖ ሓያሎ ፅዕንቶታት ሰብ መዋእለ ንዋይ ፣ ኣፍረይቲ ተሽከርከርትን ከምዝኾነ ድማ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ጁቡቲ ተኣጊደን ዝፀንሓ ብነዳዲ ዝሰርሓ ተሽከርከርቲ ካብ ፅባሕ ክኣትዋ ተፈቒዱለን’ሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *