መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብሽም በዓል ኣሸንዳ 10 ሚልዮን ብር ለጊሱ

16 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣባ ገዳታትን ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 10 ሚሊየን ብር ብሽም ቆልዑ ኣሸንዳ ኣበርኪቶም ።

ነዛ ሃገር ሓደ ቋንቋ ሓደ ሓይማኖት ክህልዋ ንዝንቀሳቐስ ዘሎ ኣሃዳዊ ሓይሊ ብሓባር ክንቃሎሶ ይግባእ ኢሎም ተወከልቲ ህዝቢ ኦሮምያ ኣባገዳ

ኣሸንዳ ተምሳሌት ሰላም እዩ ዝበሉ እዞም ኣባገዳ ህዝቢ ኦሮምያን ትግራይን ንሓድነት ዘይደራደሩ ምዃኖምን ኣብ ዝሓለፉ ፈተንቲ እዋናት እውን ህዝቢ ኦሮምያን ትግራይን ተኸኣኢሎም ከምዝሓለፍዎ ገሊፆም።

ንቐፃሊ እውን እዚ ሓድነት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣባ ገዳታትን ተወከልቲ መንግስቲ ክልል ኦሮሚያን ዘረጋገፁ እንትኾን ንዳግመ ሕውየት ትግራይ ዝውዕል ሓገዝ 10 ሚሊየን ብር ብሽም ቆልዑ ኣሸንዳ ኣበርኪቶም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *