መንግስቲ ኬንያ ካብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዘይ መስርሕ ቪዛ ናብ ሃገሩ ክኣቱ ከምዝኽእል ኣፍሊጡ።

ፕሬዚዳንት ሃገረ ኬንያ ዊሊያም ሳሞኢ ሩቶ ከምዝገለፅዎ ካብ ዝመፅእ ዘሎ ወርሒ ጥሪ ሓድሽ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ዜጋ ብዘይ መስርሕ ቪዛ ናብ ኬንያ ክኣቱ ከምዝኽእል ዕላዊ ገይሮም።

ንሓድሽ ፖሊሲ ሃገረ ኬንያ ንምትግባር ዘኽእል ዲጂታል ምሕዳረ መረዳእታ ኤሌክትሮኒክስ ስለ ዝተዳለወ ዘሰክፍ ነገር የለን ዝበሉ ፕረዚዳንት ሩቶ ንኣፍሪካውያን ሓዊሱ ካብ ካልኦት ክፋል ዓለም ናብ ኬንያ ክኣትው ዝደልዩ ብዘይ ቪዛ ክኣትው ከምዝኽእሉን ኬንያውያን ብሓጎስ ከምዝቕበልዎምን ኣረዲኦም።

ካብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ዓለም ናብ ኬንያ ክኣቱ ዝደሊ ኣቐዲሙ ፍቓድ ጉዕዞ ኤሌክትሮኒክ ምሓዝ ጥራይ ከምዘድልዮ ዝሓበሩ ፕረዚዳንት ሩቶ እዚ ሓድሽ መስርሕ ፍቓድ ጉዕዞ ንቱሪዝም ሃገሮም ከምዘነቓቕሕ ኣብሪሆም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *