“መንግስቲ ኤርትራ ንልዕሊ 19 ዓመታት ዝኣሰሮም ኩሎም ፖለቲከኛታትን ናይ ሕልና እሱራትን ብህፁፅ ክፈትሖም ኣጠንቂቐ’ለኹ፡፡” – ሕብረት ኣዉሮፓ ፡፡

“ንዜጋታተይ ናይምእሳርን ናይምፍታሕን ጉዳይ ንዓይ’ምበር ንሕብረት ኣዉሮፓ ዝምልከት ኣይኮነን፡፡” – መንግስቲ ኤርትራ፡፡ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ዘዉፀኦ መግለፂ ‘ካብ ሞንጎ እቶም ንልዕሊ 19 ዓመታት ግዳይ ማእሰርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ብዜግነት ስዊድናዊ ብትዉልዱ ድማ ኤርትራዊ ዝኾነ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ክፍታሕ ፤ ብተወሳኺ’ዉን ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዳዊት ኣበይ ከምዘሎ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክህቡ ከምኡ’ውን ንወከልቲ ኤውሮፓዊ ሕብረትን ንመንግስቲ ስዊድንን ክርእይዎ ከፍቅድን ንጥዕናዊ ኩነታቱ ብዝምልከት ዘድልዮ ዘበለ ሓገዝ ክግበረሉ ፃውዒት ብምቕራብ ኣተሓሳሲቡ’ዩ።ኣባል ሃገራት ሕብረት ኤውሮፓ ነቲ ኣብ ኤርትራ ሱር ሰዲዱ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ድሕሪ ምኹናን መንግስቲ ኤርትራ ንተቓወምቲ ጋዜጠኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን ሰላማውያን ሰባትን ምእሳር ደዉ ከብሎ ኣተሓሳሲቡ።መንግስቲ ኤርትራ ሕብረት ኣውሮፓ ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ንልዕሊ 19 ዓመታት ኣብ ፎቖዶ ጎዳጉዲ ንዝኣሰሮም ብህፁፅ ክፈትሕ ንዝቐረበሉ ሕቶ ኣብ ዝሃቦ መልሲ “መገዛ ዜጋታተይ ናይ ምእሳተርን ምፍታሕን መሰል ናተይ’ምበር ናይ ሕብረት ኣዉሮፓ ስለዘይኮነ ኣይቅበሎን’የ፡፡” ክብል ብመንገዲ ኣፈኛ ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል መልሲ ሂቡ’ሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments