መንግስቲ ኣሜርካ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፀሐ ስምምዕነት ምቁራፅ ተፃብኦ ብምሉእነት ክትግበር ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ከምዘሎ ወሃቢ ቃል ሚንስቴር ጉዳያት ወፃእ ኣሜሪካ ማቲው ሚለር ሓቢሮም።

02 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝቀነዩይ ምስ ዝምልከቶም ተወከልቲ መንግስታት ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ትግበራ እቲ ስምምዕ ስፍሕ ዝበለ ዘተ ከምዝገበሩ እውን ማቲው ሚለር ኣብሪሆም።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ምስ ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ ምቁራፅ ተፃብኦ ብምሉእነት ንክትግበር ከም መንግስቲ ኣሜሪካ ክሰርሕ እዩ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *