መንግስቲ ትግራይ መሃያ መምህራን ንምኽፋል ንዝኣተዎ ቃል ከተግብር ማሕበር መምህራን ትግራይ ፀዊዑ።

ማሕበር መምህራን ትግራይ ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ ምስ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ካብ ሞንጎ’ቲ ዘሎ ውዝፍ ደምወዝ መምህራን ንገለ ክፋሉ ክኸፍል ምስ ደደቢት ኣብ ጉዳይ ልቓሕን ወለድን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዘራሪቡ ፍታሕ ንምቕማጥን ካልእን ንዝኣተዎ ቃል ዘይምትግባሩ መምህራን ንማሕበረ ቁጠባዊ ፀገም ከምዝተሳጥሑ ኣፍሊጡ።

ሐዚ’ውን ንዚ እወንታዊ ሕቶ መምህራን ቁልጡፍ ተግባራዊ መስርሕ ምላሽ ምሃብ ከምዘድልዮ ዝሓበረ እቲ ማሕበር እዚ ከይኮነ እንተተሪፉ ግን ፈፃሚት መሪሕነትን ዝምልከቶም ኣካላትን እቲ ማሕበር ንዘተ ኣቕሪቡ ውሳነ ንምሃብ ከምዝግደድ ኣተሓሳሲቡ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *