“መናእሰይ ኣብ ዓዉደ ስፖርት ብዑቱብ ክነጥፉ ፉሉይ ቆላሕታን ትኹረትን የድሊ።” – ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ሆቴል ኣኽሱም ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሩ ፅባሕ ኣብ ዝዛዘም መበል 27 ሱሩዕ ጉባኤ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተረኺቦም ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ ዘረባ – መናእሰይ ኣብ ዓዉደ ስፖርት ብዑቱብ ክነጥፉ ፉሉይ ቆላሕታን ትኹረትን ክወሃቦ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ፕረዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ረዳት ኮምሽነር ደራርቱ ቱሉ ኣብ ዘስመዖኦ መደረ ድማ ብስፖርታዊ ዲስፕሊን ዝተሃነፁ ኣትሌታት መናእሰይ ኣብ ምፍራይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ኩሉ ወገን ከምዝጠልብ ሓቢረን ።

ድኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ብወገኖም ሽሞምን ሃገሮምን ዘፀውዑ ኣትሌታት ኣብ ምፍራይ ዝተጠናኸረን ዝተዋደደን ስራሕ ምስራሕ የድሊ ኢሎም።

እቲ ሎሚ ዝጀመረን ፅባሕ ዝዛዘምን ጉባኤ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመተ 2015 ዓ.ም.ን ኣፈፃፅሙኡን ብምፍታሽ በጀት ዓመተ 2016 ዓ.ም. ኽፀድቕ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ኣፍቲ ጉባኤ ልዕሊ 200 ዝምልከቶም ኣካላትን ጉባኤተኛታትን ይሳተፉ’ለው።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *