” ‘መብዛሕትኦም ስደተኛታት ተመሊሶም እዮም’ ዝብል መደረ ቐዳማይ ሚኒስተር ኣብ ግብሪ ዘየለ ተራ ላግፂ’ዩ።”- ተመዛበልቲ ተጋሩ።

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ተነድባ፣ ኣምራኩባን ሓሸባን ብኣሽሓት ዝቁፀሩ ስደተኛታት ተጋሩ ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ እቲ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዝቐረበ “ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም’ዮም” ብምባል ንዘቕረብዎ መደረ ብምንፃግ ቁጥዐዖም ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ግብሪ ዘየለ ተራ ላግፂ’ዩ ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ስደተኛታት ኣብ ዘስምዕዎ ድምፂ ንሕና ስደተኛታት ናብ ዓድና ኣይተመለስናን እኳድኣስ ኣብ ስደት ሕሱም ናብራ የሕልፉ ከምዘለው ተዛሪቦም።

ብመሰረት ዉዕሊ ፕሪቶርያ ዛጊድ መረበትና ክንምለሰ ምተገበአና ዝበሉ እቶም ስደተኛታት ፈፂሙ ካብ ሓቂ ንዝረሓቀ ዘረባ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዓገብ ክብሎ ይግባእ ኢሎም።

ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ስሩዕ ግልጋሎታት ሕክምና፣ ዝተመጣጠነ መግብን ትምህርትን ዝሓረመና ስደተኛታት ናብ መረበትና ንኽንምለስ ተደራደረትን መደራደርቲን ዉዕሊ ፕሪቶርያ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ተግባር ክሰጋገሩ ይግባእ ክብሉ ብዘሳለጥዎ ሰልፊ ፀዊዖም።

መራሕቲ ትግራይ እውን ንዝተፈጠረ ማሕለኻታት ብህፁፅ ጋሊሆም ስዱድ ህዝቢ ትግራይ ናብ መረበቱ ናይ ምምላስ ግዴትኦም ክዋስኡ ኣተሓሳሲቦም እዮም ከም ፀብፃብ ትግራይ ሚድያ ሃውስ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *