መበል 88 ዓመት ዝኽሪ ኲናት ተምቤን ወርሰገ ምክንያት ብምግባር ኣብ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ከተማ ወርቃምባ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ዕላማ እቲ መድረኽ ዘይተዘረበሉ ታሪኽ ተምቤን-ወርሰገ ብምፍላጥ ናብ ረብሓ ንምውዓል ምዃኑ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ቀይሕ ተኽሊ ኣይተ ኣፅበሃ ሕሉፍ ገሊፆም።

ኣብቲ እዋን መልእኽቲ ዘሕለፉ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ኣይተ ሃይላይ በየነ ብግደኦም ኲናት ተምቤን-ወርሰገ ሰራዊት ጣልያን ኣብ 1888 ዓ/ም ኣብ ዓድዋ ዝበፅሖ ስዕረት ሕነ ንምፍዳይ ኣብ 1928 ዓ/ም ተሃንዲዱ መፅዩ ብዘካየዶ ኲናት ልዕሊ 10 ሽሕ ሰራዊቱ ዝረገፈሉን ተወሳኺ ከቢድ ስዕረት ዝተጎልበበሉ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኲናት ወርሰገ ኣዝዩ ድሙቕ ታሪኽ ዝተሰርሐሉ ዋላ እንተኾነ እቲ ታሪኽ ክፍለጥ ከምዘይተገበረ ዝሓበሩ ኣይተ ሃይላይ ካብ ሕዚ ንደሓር ግን ብዝግባእ ብምዕቃብን ብምልላይን ናብ ረብሓ ክዉዕል ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሐሉ ኣረጋጊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተፈላለዩ ምሁራን ትግራይ ኣርባዕተ መፅናዕታዊ ፅሑፋት ተዳልዮም ይዝተየሎም ኣሎ ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *