መበል 49 ዓመት 11 ለካቲት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ምኽንያት ብምግባር ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ውድብን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ሐዚ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣፍቲ ሐዚ ተጀሚሩ ዘሎ መድረኽ ዘተ ፕረዚዳንት ጌታቸው ረዳ ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስትን ተረኺቦም’ለው።

ኣብዚ መድረኽ ዘተ ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት መቐለ ዝተዋፅኡ ተወከልቲ ህዝብን ዕዱማት ኣጋይሽን ይሳተፍ ከምዘለውን ኣብ ትማልን ሎምን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘድሃቡ መደረኽ ፓነል ከምዝቐርቡ ጋዜጠኛ ሑሉፍ ዕቋር ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *