ስምምዕ ፕሪቶርያ ካብ ዝኽተም ሓደ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይካየድ ዝነበረ ዝተማልአ ፅንተት ናይ ምክያድ ወፍሪ ከም ብሄር ክንጠፍእ፣ ባህልና፣ ቋንቋናን ታሪክናን ካብ ሕልና ደቂ ሰባት ከይተረፈ ክሕከኽ ዝተኣልመ ውዲት ብስምምዕ ደው ምባል ተፃብኦ ክዕገት ተኻኢሉ እዩ።
በዚ ድማ ኩሎም ድልየታትናን ናብ ኩናት ዘእተውና ጠንቅታትን ብዝተኽኣለ መጠን ሰላማውን ሰላማውን ብዝኾነ መገዲ ንምዕዋት ከኽእል እዩ ዝበልናዮ በሪ ከፊቱልና ኣሎ።
ህዝብና ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ይቕበሎ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ነዚ ስምምዕ እዚ ዝፃባእ ዝኾነ ይኹን ምንቅስቓስ ከምዘይዕገስ ብተደጋጋሚ እናገለፀ መፂኡን ይገልፅ እውን ኣሎን።
ይኹን ድኣ’ምበር ድሕሪ ዓመት እውን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ክፍፀሙ ዝግብኦም ሓራ ዘይወፅአ ህዝብና ሓራ ናይ ምውፃእ፣ ዝተፈናቐለ ህዝብና ናብ መረቤቱ ናይ ምምላስን ሕገ መንግስታዊ ሉኣላውነት ትግራይ ናይ ምርግጋፅን ውራይና ፈፂሙ ኣይትተንከፈን፤ህዝብና ሕዚ እውን ኣብ ሕሰም ይነብር ኣሎ።
ህዝብን ግዝያዊ ምምሕዳርን ትግራይ ብሓደ ገፅ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ዝተረኸቡ ምዕባለታት ብምዕቃብን ናብ ዝሓሸ ብርኪ ክሰገሩ ብምግባርን በቲ ካልእ መዳይ ድማ ክሳብ ሕዚ ዘይተፈፀሙ መሰረታዊ ዕማማት ብዝተማልአ ኩነታት ንክትግበሩ ሰላማዊ ቃልሶም ኣሐይሎም ክቕፅሉ እዮም።
እዚ ውዕሊ ብዝተማልአ ብርኪ ንክፍፀምን መንከራ ህዝቢ ትግራይ ንከብቅዕን መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነቱ ብዝግባእ ንክዋፃእ፤ ወዕሊ ፕሪቶሪያ ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተፈፀመ ስምምዕ ከም ምዃኑ መጠን ማሕበረሰብ ዓለም እውን ኣብ ኣፈፃፅማ ዘለዉ ዓንቀፍቀፋት ኣብ ምእላይን መነባብሮ ህዝቢ ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስን ሕጋዉን ሞራላዉን ግቡኡ ንክፍፅም ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይፅውዕ።
ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ
22 ጥቅምቲ 2016ዓ.ም
መቐለ