“መሰረታዊ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥና ዘለው ፖሎቲካዊ ሕቱክቱክ ፈቲሕና ውሽጣዊ ዓቕምና ተጠቂምና እንተሰሪሕና እዩ።” – ምክትል ፕሬዝዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ፃድቓን ገ/ትንሳኤ።

ምክትል ፕረዚዳንት ጀነራል ፃድቃን ገብረትንሳኤ ኣብ ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መድረክ ፎረም ፋይናንስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመራርሓ ባንክ ካብ ኩለን ዞባታት ዝተወፃፅኡ ተወከልቲ ማሕበረሰብ ንግድን መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ዝተረከብሉ ግደ ፋይናንስ ንምዕባለ ኢኮኖሚ ትግራይ ” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ መድረክ ተረኪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ – መሰረታዊ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥና ዘለው ፖለቲካዊ ሕቱክቱክ ፈቲሕና ውሽጣዊ ዓቕምና ተጠቂምና እንተሰሪሕና’ዩ ኢሎም።

ኣብ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ግደ ፋይናንስ ዘይትካእ ግደ ከምዘለዎ ዝገለፁ ጀነራል ፃድቓን መሰረታዊ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ዝረጋገፅ ኣብ ውሽጥና ዘለው ፖሎቲካዊ ሕቱክቱክ ፈቲሕና ውሽጣዊ ዓቕምና ተጠቂምና እንተሰሪሕና ጥራይ’ዩ ኢሎም ።

ፕሬዝዳንት ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ መምህር ኣሰፋ ገ/ስላሴ ብግደኦም ትግራይ ከብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂላ ስሉጥ ኢኮኖምያዊ ምዕባለ ዝሳለጠላ ዋላኳ እንተነበረት ብሰንኪ ዝተፈጠረ ቁሉዕ ወራር ትካላት ትግራይ ዓንየን ናህሪ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ዝወሰከሉ ህዝብና ብግዳይ ጥምየት ዝስቃየሉ ተመዛበልቲ ኣብ ዘይተመለሰሉ ብሓፈሻ ትግራይ ብኩለ መዳይ ኣብ ቅሉውላው ዝተሳጠሐትሉ እዋን ንርከብ ድሕሪ ምባል ካብቲ ኣቲናዮ ዘለና ፀግም ክንወፅእ ንክእል ዘለውና ፀጋማት ተዛቲና ብምፍታሕ ምዕሩይ ትካላት ፋይናንስ እንተሃኒፅና እዩ ክብሉ ገሊፃም።

#ጋዜጠኛ ሸዊት ሙሉኣለም

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *