መራሕቲ ሃይማኖት ወረዳ ሓውዜን ኣብ ጉዳይ ብኽነት ፣ድኽነትን ፍትሓትን ብምዝታይ ፣ ልዕሊ ዓቀን ድግስን ብኽነት እኽለ ማይን ንምትራፍ ዝካኣሎም ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም።

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ነቲ መድረኽ ዝመርሑን መበገሲ ሓሳብ ዘቅረቡን ዋና ኣማሓዳሪ ወረዳ ሓውዜን ኣይተ ገ/ጅወርግስ ገ/ኪዳን ሽዑ ክም ዝበልዎ ፣ ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ሰፍ ዘይብል ዕንወትን ብዝርዝር ብምቅራብ ፣ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ምርግጋፅ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ፣ ነቲ ጉዕዞ ዘዐንቅፉ ተርእዮታት ብትሪ ክንቃለሶ ይግባእ በሉ ሞ ፣ብፍላይ ነቶም ናብዚ ብርኪ ዘብፅሑና ጀጋኑ ሰማእታት ፣ ልዕሊ ዓቀን እኽለ ማይ ብምጥፋእ ዘይኮነ ክንድብሶም ዘለና ፣ንስድራ ሰማእታት ብምሕብሓብን ኣብ ጎኖም ኮይንና ዘድሊ ሓገዝን ሞራልን እንትንገብረሎም ምኻኑ ፈሊጥና ፣ መራሕቲ ሃይማኖት ወረዳና ካብ ቃል ዝዘለለ ናይ ተግባር ሰባት ብምኻን ተግባራዊ ስራሕ ክሰርሑ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

መምህር ዘርኣ ዳዊት ገ/መድህን ፣ሊቀ ህሩያን ካሳዮ ታደለን ሸኽ መሓመድ መሓሙዱን ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ድማ ፣ ልዕሊ ዓቀን እኸለ ማይ ምጥፋእ ብፈጣሪ ውን ኣይድገፍን ምስ በሉ ፣ በፂሑና ካብ ዘሎ ዘይተመዓራረየ ናብራን ድኽነትን ክንወፅእ እንኽእል መንግስቲ ብዝህበና ዘሎ ኣንፈት ተኸቲልና ፣ነተን ተረኺበን ዘለዋ ምህርቲ ሕርሻ ብኣግባብ እንትንጥቀመሉን ምኻኑ ፈሊጥና ፣ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ናብ ዝገደደ ድኽነት ዘሳጥሕ ልዕሊ ዓቐን ድግስን ብኽነት እኽለ ማይን ደው ንምባል ካብኦም ዝድለ ብፅሒት ከም ዝፍፅሙ ቃል ኣትዮም ።

ኣብ መወዳእታ ንጀጋኑ ስውኣት ዝግበር ፍትሓት ፣ ብመንበረ ሰላማ ኣቢሉ ዝዋሃቦም ኣንፈት ተኸቲሎም ከም ዝፍፅሙ ድማ ኣረጋጊፆም ክብል ፣ ከይዲ ስራሕ ርክብ ህዝብን ሓበሬታን ወረዳ ሓውዜን ፀብፂቡ።

104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *