“ሕድሪ ናይቶም ዝተሰዉኡ ኣሕዋትና ተሰኪምና ኢና ክንመሃር”

3 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መቐለ

ተምሃሪት ምሕረት ክንፈ ተምሃሪት ሳልሳይ ዓመት ክፍሊ ትምህርቲ ኢኮኖሚክስ እንትትኸዉን ተምሃራይ መብራህቱ ኪሮስ እዉን ኣብ ኢንስቲትዩት ቴክኖሎጂ መቐለ ክፍሊ ትምህርቲ ኤሌክትሮኒክስ ምህንድስና ሓምሻይ ዓመት ተመራቂ ተምሃራይ እዩ።

እዞም ክልተ ተምሃሮ ኣብ 2012 ዓ.ም ክምረቑ ኣብዝተቐረብሉ እዋን ፈለማ ብኮቪድ 19 ቀፂሉ ድማ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ጀኖሳይዳዊ ኲናት ሕልሞም ተኾሊፉ ካብ ዩንቨርሲቲ መቐለ ክወፅኡ ተገዲዶም።

ልክዕ ከምቲ ኩሉ ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎን ዘሕልፎ ዘሎን ሓሳረ መከራ ኣሕሊፎም ብህይወት ተሪፎም ዳግማይ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ተመሊሶም ዘቋረፅዎ ትምህርቲ ንክቕፅሉ ዕድል ምርካቦም ሕጉሳት እኳ እንተኾኑ ሓጎሶም ሙሉእ ከምዘይኮነ እዮም ዝገልፁ።

tigraitv

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *