በብዓመቱ ብሰዓብቲ ሃይማኖት ተዋህዶ ብልዑል ፅምብል ንዝኽበር ሕዳር ፅዮን ኣኽሱም ሎምዘበን’ውን ብሉዑል ድምቀት ንምብዓል ቅድመ ምድላው የካይድ ከምዘሎ ምምሕዳር ከተማ ኣኽሱም ኣፍሊጡ።
ከንቲባ ከተማ ኣኽሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ንማዕከናት ዜና ትግራይ ኣብ ዝዓደልዎ ደብዳቤ ከምዝሓበርዎ ናይ ሎምዘበን ሕዳር ፅዮን ብፉሉይን ልዑልን ድምቀት ንምፅምባል ቅድመ ምድላው ይካየድ ከምዘሎ ኣብሪሆም።
ብዛዕባ’ቲ በዓልን ዘሎ ቅድመ ምድላውን ብመራሕቲ ሃይማኖት ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ ፣ ዓበይቲ ዓድን ነጋዶን 3 ሕዳር 2016 ዓ.ም. ንማዕከናት ዜና ትግራይ መብርሂ ከምዝወሃብ ወሲኾም ገሊፆም።