ሕዚ እውን ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ብወረርቲ ሓይልታት ተጐቢጡን ህዝቢ ብሓይሊ ይመዛበልን ስለዘሎ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውን ዘይተሓለለ ፃዕሪ ከምዝጠልብ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ንዚ ዝገለፁ ብተወካሊ ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሚስተር ማርክል ክሊመንት ዝተመርሐ ጉጅለ ሉእክ አብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት አድሂቡ ኣብ ዘካየድዎ ዘተ እዩ ።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ ምስ ላዕለዎት ተወከልቲ ቤት ፅሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሎሚ ቤት ፅሕፈቶም ዘካየድዎ ዘተ ስምምዕ ሰላም መሊኡ ተግባራዊ ንክኸውንን ፍትሕን ተሓታትነትን ንክነግስን ብትኹረት ከምዝሰርሕሉ ድማ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ቃል ኣትዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *