“ሕብረት ድልምዓልት ራያ (ሕድራ)” ምስ ማሕበር ልምዓትን ተራድኦን ራያ ሰሜን ኣሜሪካ (ማልተራሰኣ) ብምትሕብባር ኣብ ወረዳታት ራያ ጨርጨር፣ ራያ ዓዘቦ፣ ራያ ኣላማጣን ከተማ መኾንን ንዝርከብ ህዝቢ ዝውዕል ሓገዝ ምግቢ ንምክፍፋል ቅድመ ምድላወን ከምዝወገና ኣፍሊጠን።

እቲ ዝከፋፈል ሓገዝ ኣብ ከተማ መኾኒ ከምዝኣተወ ዝሓበረት ሕድራ እተን ማሕበራት ካብዚ ብተወሳኺ’ውን ናብ ወረዳታት ከተማ ማይጨው ቦራ ቸለና፣ ስለዋ፣ እምባ ኣላጀ፣ እንዳ መኾኒ፣ ነቕሰገ፣ ዛታ፣ ከተማ ኮረምን ኦፍላን ተበፃሒ ዝኸውን ሓገዝ ድማ ኣብ ከተማ ማይጨው ምብፅሑ ሕድራ ገሊፃ።

እቲ ዕደላ እኽሊ ካብ ዓርቢ 27 መጋቢት 2016 ዓ.ም. ስለንጅምር ኣብተን ከባቢታት ዝርከብ ግዱስ ኩሉ ከም ኣባል ሕድራ ኮይኑ ኽነጥፍን ምትሕግጋዙ ከዕዝዝን እውን ሕድራ ፀዊዓ’ላ።

ሕድራ ኣብ ቀረባ ግዘ ዝተጣየሸት ኮይና ብዝተፈላለዩ መዳያት ንህዝባ እናደገፈት ትርከብ ምዃና ይፍለጥ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *