ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ከቢድ ሕፅረት ምግቢ ሓዊሱ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝውዕል 1.8 ቢልዮን ዩሮ ንዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ በጀት ከምዝሰልዐ ኣፍሊጡ።

ሕብረት ኣውሮፓ እዚ ሰሊዕዎ ዘሎ በጀት ኣብ ምብራቓውን ደቡብን ኣፍሪካ ከምኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ኢትዮጵያ ፣ ሱዳን ፣ደቡብ ሱዳን ፣ኡጋንዳ ፣ ማዳጋስካር ፣ሞዛምቢክ፣ ጅቡቲ ፣ ኬንያ ሶማልያን ካልኦት ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዝውዕልን ብዝተፈላለዩ ግርጭታትን ውግእን ዝተሃስዩን ብምኽንያት ለውጥን ምዝባዕን ኩነታት ኣየር ንዝተቓልዑን ከምዝውዕል ኣረዲኡ።

እዚ ዝተሰልዐ ልዑል በጀት ሰብኣዊ ሓገዝ ብናይ ገዛእ ርእሱ መስርሕ ከምዝትግበር’ውን እቲ ሕብረት ወሲኹ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *