ሓገዝ መግቢ ደው ምባል ነቶም ኣዝዮም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቆም ዝርከቡ ወገናት ብጥሜት ንክሞቱ ዝገብር ጭካነ ዝተመለኦ ውሳነ እዩ ።

20 ሓምለ 2015 ዓ.ም

(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኢንክስቲክ ሚዲያ ዝተብሃለ ንትርፊ ዘይሰርሕ ትካል ከምዝበሎ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዓለም ዝዓበየት ተቐባሊት ሓገዝ መግቢ ኣመሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝህባ ዝነበረ ሓገዝ መግቢ ከም ዝቋረፆ ምግላፁን እዚ ድማ ሓያሎ ሚልዮናት ሰባት ብኸቢድ ውሕስነት መግቢ ዝሳቐዩላ ዘለዉ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ሓደገኛ ውሳነ ኣብ ከቢድ ኢኮኖሚያዊ ቅልውላው ክወድቁ ገርዎም እዩ ይብል እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ።

ኣመሪካ ብምክንያት ዘጋጠመ ስርቅን ጉሕለትን ሰብኣዊ ሬድኤት ናብ ትግራይ እትገብሮ ድጋፍ ደው ምባላ ነቲ ብጥምየት ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ዕሽሽ ከምዝበለቶ ዘመላክት እዩ ዝበለ እቲ ሓበሬታ ይኩን እምበር ኣሜሪካ ብታሪኽ ኣብታ ብደረጃ ዓለም ዜጋታታ ብሕፅረት መግቢ ዝጥቁዕላ ዘለዉ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ድሌታት ሰባት እትድግፍ ማእኸላይ ተዋሳኢት ኮይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ ኣስታት 1.8 ቢልዮን ዶላር ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘበርከተትን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ጥምየት ከም መሳርሒ ኲናት ዝጥቀመሉ ዝነበሩ ሓይልታት ሐዚ እውን እዚ ድጋፍ ጠጠው ምባሉ ዝያዳ ከምዘጋድዶ ኣመላኪቱ ኣሎ ።

ውሳነታት ኣመሪካ ዘስዕቦ ዘስካሕክሕ ውፅኢት ካብ መፈለምትኡ ኣትሒዙ ንፁር እዩ ነይሩ ዝበለ ፀብፃብ ኢንክስቲክ ሚዲያ ኣብ ትግራይ ህፃናት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ወገናት ሙሉእ ብሙሉእ ክልከላ ድግፍ ምግቢ ምግባር ድማ ንሞትን ሕማምን ክቓልዑ ምፍራድ ከምዘኾነ ኣረዲኡ።

ኣብ ክንዲ ሓገዝ ምግቢ ዝሰረቁ ኣካለት ሰጉምቲ ምሃብ፣ ተሓተቲ ገይርካ ናብ ሕጊ ክቀርቡ ምግባርን ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሓያል ጥሜት መፍትሒ ምቐማጥን ብኣንፃሩ ግና ዝጠመዩን ኣብ ኣፍ ሞት ንዝርከቡ ዜጋታትን ብሕፅረት ምግቢ ክቅፅዑ ምግባር ዘይሓለፍነታዊ ውሳነ ምኻኑ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *