ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ኢትዮጵያ ፀገም ሕትመት ከምዘለዎ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣሚኑ፡፡

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ዳይሬክተር ምምሕዳር ገንዘብ (ከረንሲ) ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣበበ ሰንበቴ ከምዝገለፅዎ እቲ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ኢትዮጵያ ፀገም ሕትመት ከምዘለዎ ድሕሪ ምእማኖም እቲ ፀገም ኸጋጥም ዘይምረፅ ዝነበረ ቀሊል ፀገም ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡ እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ቡዙሕ ክበሃለሉ ዝፀንሐ ፍልልያት ሓድሽ ገንዘብ ኣብ ኣቀማምጣ እቶም ምልክታት ክህሉ ዘይምረፅ ቀሊል ፀገም ከምዝኾነን ዝተኣመኑ ኣይተ ኣበበ ሰንበቴ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ነቲ ፀገም ፍልልያት ገንዘብ ኣቐዲሙ ከምዝረኣዮ ድሕሪ ምግላፅ እቲ ናይ መስመር ምዝባዕ ኣብ ኩሉ ዘይኮነስ ኣብ ዝተወሰኑ ናይ ሓደ ምኢቲ ሓድሽ ወረቐታዊ ብር ከምዘጋጠመን ነቲ ፍልልያት ሕትመት ብዝተኽኣለ መጠን ከፅብብዎ ንዝምልከቶም ኣካላት ከምዝተሓበሮም ኣረዲኦም፡፡እቲ ፍልልያት ሓድሽ ወረቐታዊ ብር 100 ናብ ሕትመት ምስኣተወ እቲ ምዝባዕ ከምዝተፈጠረን ቀሊል ናይ ሕትመት ፀገም’ምንበር ተመሳሲሎም ዝተሰርሑ ከምዘይኮኑን ድሕሪ ምግላፅ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ገንዘብ ዘምፅኦ ፍልልይ የለን ኣብቶም ዝተርኣዩ ጉድለታት ኣብ ከይዲ መአረምታ ተገይርሎም ከምዝዕረዩ ድማ ወሲኾም ሓቢሮም፡፡ብዛዕባ’ቲ ኣብ ናይ ክልተ ሚእቲ ናይ ወረቐት ገንዘብ ዝረኣይ ናይ እንግሊዝኛ ፊደላት ‘ጌጋ’ ዝመስል ‘ዲ’ ፊደል ‘ኦ’ ተባሂሉ ተፃሒፉ ተባሂሉ ዝቐርብ ሕቶ በቲ ዝተመረፀ ቕርፃ ፅሑፍ (ፎንት) ስዒቡ ከምዝኾነን ንተጠቀምቲ ብዘጋግይ መልክዕ ከምዘይተቐመጠን ዝሓበሩ ኣይተ ኣበበ እዚ ድማ ምስቲ ቅድም ኢሉ ዝነበረ 100 ዝመሳሰል ከምዝኾነን ክልተ ምኢቲ ዝብል ብቛንቋ ኣምሓርኛን ብኣሃዝን ብትኽክል ተፃሒፉ ስለዘሎ ኣብ ተጠቃሚ ዘምፅኦ ፀገም ከምዘየለ ውሲኾም ገሊፆም፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments