ሓይሊ ዕማም ህፁፅ ምላሽ ንትግራይ ኣብ ከተማ ፋፂ ንዝርከቡን ብሰንኪ ምምዝባልን ሓደጋ ድርቅን ኣብ ከቢድ ትሑት መነባብሮ ንዝወደቑን 26ሽሕ ወገናት ንነፍስወከፎም 15 ኪሎ እኽሊ ብሓገዝ ኣከፋፊሉ።

እቲ ሓገዝ ነበርቲ ወረዳ ጉለመኸዳን ተመዛበልቲ ነበርቲ ዛላምበሳን ዘካተተ ኮይኑ 4ሽሕ ኩንታል እኽሊ ንቶም ኣብ ዝኸፍአ ፀገም ንዝወደቑ ወገናት ጥራይ ከምዝተኸፋፈለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣፍቲ ምክፍፋል ሓገዝ ብዓል ሃፍቲ ኣይተ ዘርኡ ገብረሊባኖስን ሓገዝ ምግቢ ሒዞም ዝመፁ ተወከልቲ ኣትሌታትን ብኣካል ተረኺቦም ተዓዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *