ሓይሊታት ፀጥታ ትግራይ ብሰንኪ ድርቂ ኣብ ከቢድ ፀገም ንዝርከብ ህዝቢ ወረዳ ኣፅቢ ልዕሊ 200 ኩንታል ፊኖ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ነቲ ሓገዝ ዘረከበ ተጋዳላይ ጎሹ ገ/እዝገኣብሄር ንድምፂ ወያነ ትግራይ ከም ዝበሎ እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ሓገዝ ኣካላት ፀጥታ ካብ ዕለታዊ ጠለብ ምግቦም ነኪዮም ዘበርከትዎ እዩ።

ህዝቢ ኣፅቢ ብሰንኪ ኣጓኒፉና ዝነበረ ኵናትን ድርቅን ንከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ተቓሊዑ እዩ ዝርከብ ዝበለ ተጋዳላይ ጎሹ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ክደጋገፍ ከም ዘለዎ ድማ ኣረዲኡ።

ንምምሕዳር ወረዳ ኣፅቢ ወኪሎም ነቲ ሓገዝ ዝተቐበሉ መምህር ኣርኣያ ኪዳነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ከም ወረዳ ብሰንኪ ድርቂ ዛጊድ 136 ወገናት ሞይቶም ኣለው ምስ በሉ እቲ ፀገም ንከይተሓላለኽ ኣካላት ፀጥታ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ወገናት ንዝህብዎ ዘለው ደገፍ ብምንኣድ እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ፀዊዖም።

ካብ መንጎ በቲ ዝተውሃበ ሓገዝ ዝተደገፉ ወገናት ኣብ ዝሃቡና ርኢቶ ድማ ኣብ ከባቢኦም ኣጓኒፉ ዘሎ ድርቂ ሂወት ሰብን እንስሳን ይበልዕ ስለ ዘሎ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ገበርቲ ሰናይን ተጋሩን ፈተውቲ ትግራይን ብቐፃልነት ሓገዞም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም ከም ፀብፃብ ድወት።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *