ሓለዋ ሲቪላትን ተሓታትነት ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዘለቒ ዝኾነ ሰላም ንክረጋገፅ ወሳኒ እዩ።

04 ነሓሰ 2015 ዓ.ም

ኣምባሳዶር ዳረን ዌልች

( 104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ ) ኣብ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳዶር ዓባይ ብሪጣንያ ኣምባሳዶር ዳረን ዌልች ኣብ ገፅ ትዊቶሮም ከምዝበልዎ ኣነን ፍልይቲ ልኡኽ ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ሳራ ሞንትጎመሪን ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሐባር ብምኻን ሃገረ ኢንግሊዝ ኣብ እዋን ኩናት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ንዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ግቡእ ምርመራ ንክግበር ካብ ገንዘባዊ ድጋፍ ኣትሒዙ ኩሉ ዓይነት ሓገዝ ከምእትገብር ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

ኣምባሳዶር ዳረን ዌልች ወሲኮም ከምዝገለፅዎ ፍልይቲ ልኡኽ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ቀይሕ ባሕርን ሳራ ሞንትጎመሪ፣ ዳይረክተር ሰብኣዊ ሓገዝ ስደተኛታትን ምግቢ ውሕስናን ማቴው ያትን ሓላፊ ትካል ልምዓትን ሓበራዊ ረብሓን ምብራቕ ኣፍሪካ ቪኪ ሳይሞውርን ብሓባር ብምኻን ናብ መቐለ ዑዶት ከምዝገበሩ እውን ገሊፆም እዮም።

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓይልታት ፅንተት ዝተፈፀመን እናተፈፀመ ዝርከብን ዓለም ለኻዊ ገበናት ኩናት ክሳብ ሐዚ ተሓታትነት ከምዘይተራጋገፀን ግዳያት እውን እንተኾነ ፍትሒ ክረክቡ ከምዘይኻኣሉ ዝፍለጥ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *