ሑቡራት አሜሪካ ናብ ሃገረ ሃይቲ ብሓገዝን ብመሸጣን ክትልእኾ ዝፀንሐት ሩዝ ንሕማማት ካንሰርን ልብን ዘሳጥሕ ከምዝኾነ ዩኒቨርስቲ ሚችጋን ብዘካየድክዎ መፅናዕቲ ኣረጋጊፀ’ለኹ ክብል ገሊፁ።

ኣብ ሑቡራት ኣመሪካ ዝመደብሩን ኣብ ማሕበረሰባዊ መፅናዕቲ ዝነጥፍ ዩኒቨርስቲ ሚቺጋን ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ሑቡራት መንግስቲ ኣመሪካ ናብ ካሪብያናዊት ሃገረ ሃይቲ ብመሸጣን ብሓገዝን ክትልእኾ ዝፀንሐት ሩዝ ልዑል ትሕዝቶ ‘አርሰኒክ’ ን ‘ካድሚየም’ን ዘስመዩ ንጥረ ነገራት ዘለዎም ብምዃኖም ንሕማማት መንሽሮ (ካንሰር)ን ልብን ዘሳጥሑ’ዮም ክብል ኣገንዚቡ።መንግስቲ ሃገረ ሃይቲ ኣብ ዓዲ ውሽጢ ካብ ዝፈሪ ዋጋ ሩዝ ካብ ሑቡራት ኣመሪካ ብሑሱር ዋጋ መሸጣ ስለዝረክብ ዘይተኣደኑ ፍርያት ሩዝ እንዳዓደገ ከምዘእቱ ዝሓበረ እቲ ዩኒቨርስቲ መንግስቲ ሃይቲ 90% ሃላኺ መግቢ ሩዝ ዝዕድጎ ንሑሱር ዋግኡ’ምበር ንትሕዝቶ እቲ ሩዝ ትኹረት ዘይምሃቡ ጌጋ’ዩ ክብል ነቒፉ።

ኣብ ጥቕሚ ዘይወዓሉ ካብ ሑቡራት ኣመሪካ ተዓዲጎም ዝኣተው ሩዝ ቁልጡፍ ምርመራ ኽግበረሎም ዝሓተተ እቲ ዩኒቨርስቲ እዚ እንተዘይተገይሩ ግን ብህይወት ዜጋታት እታ ሃገር ተሓታቲ’ዩ ኢሉ።

ክፍሊ ምሕደራ መግብን መድሃኒትን ሑቡራት ኣሜሪካ ይኹን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ መፅናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ሚቺጋን ርእይቶ ክህቡ ከምዘይደለዩን ምዕቃብ ከምዝሓረዩን ማዕከን ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *