23 ሓምለ 2015 ዓ.ም
ተጋደላይ ገብረ ገብረፃዲቅ
(104.4 ሬድዮ ኤፍ ኤም መቐለ) ሐዚ ዝግበር ዘሎ ምስንባት ሓርበኛታት ትግራይ ካብ ሰራዊት ወፂኦም ማለት እንተይኮነስ ሓዱሽ ናይ ምግዳል ምድብ ተዋሂብዎም ምስ ማሕበረሰቦም ኮይኖም ክሰርሑ ዝዓለመ እዮ ክብል ተጋደላይ ገብረ ገብረፃዲቅ /ገብረ ዓዴት/ ትሪስ ሜክ ኣፕ ስኩል ብሞያ ስልጠና ሜክኣፕን ዲኮርን ዘሰልጠነተን ልዕሊ ክልተ ሚኢቲ ተምሃሮ ኣብ ዘመረቐትሉ መድረክ ተረኪቡ ኣብ ዘስመዓ መድረክ ።
ካብዚ ብተወሳኪ ተጋደላይ ገብረ ገብረፃዲቅ /ገብረ ዓዴት/ ከምዝበሎ ጉዳይ እግሪ ምትካል እዉን ኣይተወደአን ልክዕ ከም ሰራዊት ኣባላት ተራእዩ ህይወቶም ከመሓድርሉ ዝክእልሉ ስራሕ ንምፋጣር ብዝግባእ ክስራሕ እዮ ክብል ኣረዲኡ ።
ተርኪቡ ዘሎ ሃዋህው ስላም ንክመፅእ ህይወቶም ንዘገብሩ ጀጋኑና ከይረሳዕና ስድራ ስዉኣትናን ጉድኣት ኩናት ጀጋኑናን ብምሕብሓብ ኩሉ ትግራዋይ ሓጋዚን ተሳታፍን ክኮን ኣለዎ ክብሉ ተጋደላይ ገብረ ገብረፃዲቅ መልእክቱ ኣሕሊፉ እዮ።
ብሕሉፍ ዕቛር