ሐዚ ዝበፅሐና ዜና!

ንሰለስተ ዓመታት መመላእታ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝፀንሑን ናይ ፈተና ረቛሒ ኣማሊኦም ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ተጋሩ ካብ ክፍሊ ተፈጥሮ ሳይንስ 73.09% ካብ ክፍሊ ሶሻል ሳይንስ 51.38% ብድምሩ 66.96% ናብ ዩንቨሲቲ መእተዊ ነጥቢ ኣምፂኦም ከምዝሓለፉ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ሐዚ ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሕማም ኮረናን ውግእን ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዝፀንሑን ኣብ 2012 ዓ.ም. ክፍተኑ ዝግበኦም ዝነበሩ ተምሃሮ ድሕሪ 4 ዓመት ካብ 29 መስከረም ክሳብ 02 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ካብ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ውፅኢት ፈተነኦም ሎሚ 24 ጥቅምቲ 2016 ካብ ሰዓት 3:00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ዝተዘርገሐ እንትኸውን ተምሃሮ በዌብ ሳይት፡- eaes.et ወይክኣ ቴሌግራም አድራሻ፡- @eaesbot ብምጥቃም ውፅኢቶም ክሪኡ ከምዝኽእሉ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

ተምሃሮ ውፅኢት ንምርኣይ ኣብ ዝፍትንሉ እዋን dsq ዝብል ፅሑፍ እንተመፂኡ ኣብ 2012 ዓ.ም. ናይ 12 ክፍሊ ተምሃሮ ምንባሮም መረጋገፂ መረዳእታ ዘይተረኸበሎም ምዃኑ ስለዘመላኽት መረዳእታ ብምሓዝ ኣብ ድሕረ ገፅ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናን ወይ ክኣ ኣብ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ብኣካል ቅሬተኦም ኸቕርቡ ከምዝኽእሉ ዝሓበረ እቲ ቢሮ መሕለፊ ነጥቢ ዝረኸቡ ተምሃሮ ዩንቨርሲቲ መምርፂ ቅጥዒ ነናብ ቤት ትምህርቶም ስለዝላኣኽ ካብበ 25 ክሳብ 26 ጥቅምቲ ናብ ዝምሃርሉ ዝነበሩ ካልኣይ ብርኪ ብምኻድ ክመልኡ ኣተሓሳሲቡ።

ተመዛበልቲ ተምሃሮ ናብ ጥቐኦም ዘሎ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ክመልኡ ከምዝኽእሉ ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ ኣፍሊጡ ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *