ሐዚ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ፅሕፈት ‘USAID’ ዋሽንግተን ዲሲ – ዲያስፖራ ትግራይን ጉዱሳት ፈተውቲ ትግራይን ዘሳተፈ ሰለማዊ ሰልፊ ይሰላሰል’ሎ።

ኣብ ትግራይ ንዘሎ ከቢድ ሓደጋ ጥሜትን ሞትን ንምውሓስ ህፁፅ ሓገዞም ንኽልግሱ ፅዕንቶ ንምፍጣር ዝዓለመ ሐዚ ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤት ፅሕፈት ‘USAID’ ዋሽንግተን ዲሲ – ዲያስፖራ ትግራይን ጉዱሳት ፈተውቲ ትግራይን ዘሳተፈ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ’ሎ።

ሐዚ ኣብ ሃገረ ሑቡራት ኣመሪካ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዝተደኮነ ኣፍደገ ቀንዲ ቤት ፅሕፈት ‘USAID’ ሰለማዊ ሰልፊ የካይዱ ከምዘለውን ኣብ ልዕሊ እቲ ትካል ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቲ ብሑሱም ጥሜት ዝሰሓግ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንኸባፅሕ ዝተፈላለዩ ጭርሖታት ብምሓዝ ሰለማዊ ሰልፊ ይካየድ ከምዘሎ ካብ ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

እቲ ትካል ኣብ ትግራይ ንዘሎ ከቢድ ጥሜት ህፁፅ ሓገዝ ብምልጋስ ትንፋስ ተጋሩ እንተዘይ ኣውሒሱ ፅባሕ ንጉሆ ብታሪኽ ከምዝውቀስ መልእኽቶም የመሓላልፉ ከምዘለው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Boost post

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *