ሎሚ ሰንበት ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ሃምበርግ ኣብ ዝተሰላሰለ ቅድድም ጉያ ማራቶን ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊታ።

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሰ ሎሚ ኣብ ሃገረ ጀርመን ሃምበርግ ኣብ ዝተሳለጠ 42 ኪሎሜትሮ ዝርሕቀቱ ቅድድም ጉያ ማራቶን 2:21:19 ብዝኾነ ስዓት ብምዝዛም 3ይ ጀረጃ ሒዛ ብምዝዛም ተዓዋቲት ሜዳልያ ነሓስ ኮይና’ላ።

ኣፍቲ ቅድድም ጉያ ማራቶን ዝተሳተፈት ኣትሌት ቅድሳን ኣለማ ብወገና ንቲ ርሕቀት 2:26:50 ብዝኾነ ስዓት ብምምዝጋብ 8ይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ’ላ ከም ፀብፃብ ፌደረሽን ኣትሌቲክስ ትግራይ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዝተሰላሰሉ ቅድድም ጉያ ድማ

🟨Shanghai Diamond league 5000ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን

ኣትሌት ብንያም መሓሪ 12:56:37 2ይ🥈

ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ 14:37:13 3ይ 🥉

🟨ኣብ ህንዲ TCS World 10K Bengaluru ዝተካየደ ውድድር 10km ብደቂ ኣንስትዮ

ኣትሌት ለምለም ሃይሉ 31:23 3ይ 🥉

ኣትሌት ኣበራሽ ምናስቦ 31:24 4ይ

🟨በቢ ዓመቱ ኣብ ጀርመን ዝካየድ Adizero Road to Records, Herzogenaurach

ብ 1ማይልን 5km 10km

5KM ኣትሌት ፎቴን ተስፋይ 14:41 3ይ🥉

5KM ኣትሌት ሂወት መሓሪ 15:20 5ይ

1 ማይል ኣትሌት ቅሳነት ኣለም 4:33.73 5ይ

10KM ኣትሌት ግርማዎት ገብረዝጋብሄር 30:56 7ይ

10KM ኣትሌት ደባሽ ከላሊ 31:48 13ተ

10KM ኣትሌት ኣማንኤል ጴጥሮስ 27:42 12ተ ብምሓዝ ንቲ ርሕቀት ዛዚሙ ።

ፍርያት ኣትሌቲክስ ትግራይ ዝኾኑ ኣትሌታት ኣብ ኩለ መዳይ ቅድድም ጉያ ተሳትፎኦም የዕዝዙ ከምዘለው ፌደሬሽን ትግራይ ኣትሌትክስ ወሲኹ ሓቢሩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *