ልዕሊ1 ቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ዘጋጠሞ ኮሌጅ

ኮሌጅ ትምህርቲ ኣመራርሓን መምህራንን ዓብይ ዓዲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ፀገም ኮይኑ ድሕሪ 3 ዓመት ስርሑ ጀሚሩ።

ዲን ኮሌጅ ትምህርቲ ኣመራርሓን መምሃራንን ዓብይ ዓዲ መምህር ሃይለስላሴ ገብረየሱስ ከምዝገለፅዎ ፀላእቲ ነቲ ኮሌጅ ቀንዲ መዋፈርን መረሸንን ገይሮሞ ከምዝነበሩ ብምዝኽኻር ኣብቲ ኮሌጅ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብር ዝግመት ዕንወት ዋላ’ኳ እንተጋጠሞ ምስ ገበታ ፀገሙ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣፍሊጦም።

እቲ ኮለጅ ፀላእቲ ብዘብፅሕዎ በሰላ ከይተሰኮነ ቢሮ ትምህርትን ኤፍዲጂ /FDG ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ትካልን ብዝገበሩሉ ሓገዝ ውሱን ፅገና ብምክያድ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝጀመረን ንተምሃሮ ዝኸውን መግቢ፣መደቀስን ካልኦት ናውትን ግና ልዕሊ ዓቕሚ እቲ ኮሌጅ ብምዃኑ ዝምልከቶ ኣካል ፍታሕ ከናድየሉን ሓቲቶም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *