ትካል ኤስ ኦ ኤስ ልዕሊ 4.8 ሚልዮን ብር ዝዋግኦም ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ኣብ ከተማ መቐለን ወረዳ ሳምረን ንዝርከባ 6 ኣብያተ ትምህርቲ ብሓገዝ ኣበርኪቱ።
እተን ሓገዝ ዝተገበረለን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ከተማ መቐለ በረዳ ሳምረን ንዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝኾና ኣብቲ እዋን ርኽክብ ተሓቢሩ።
ን4800 ተምሃሮ ሙሉእ ናውቲ ትምህርቲ ከምኡውን ዘበነ ትምህርቲ 2016 ዓ.ም. ምችው ንምግባር ዘሕግዙ ዝተፈላለዩ ናውቲ ትምህርቲ ንተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝውዕል ከምዝለገሱ ኣታሓባባሪ ፕሮጀክት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝን ሕውየትን ትካል ኤስ ኦ ኤስ ኣይተ ክብሮም ሓበሻ ሓቢሮም።
ቢሮ ትምህርቲ ትግራይ ወኪሎም ዝተረኸቡ ኣይተ ሰይፉ ኣምበስ ብወገኖም ዘመነ ትምህርቲ 2016 ዓ/ም ንምዕዋት ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ተሳትፎ ኹሉ ሕብረተሰብ ከም ዝጠልብ ገሊፆም’ለው ከምፀብፃብ ኤመሓት ።