ልዕሊ 1 ሚልዮን ብር ፣ 70,335 ገንዘብ ዝተፈላለያ ሃገራት ወፃኢ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ገዝኡ ኣዋህሊሉ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ ገንዘቡን ባዕሉን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ፖሊስ ኣፍሊጡ።

👉እቲ ውልቀ ሰብ 1 ሚልዮንን 199 ሽሕን 290 ብር

👉 26 ሽሕን 405 ዶላር ኣሜሪካ

👉 5 ሽሕን 100 ዶላር ካናዳ

👉34 ሽሕን 150 ዩሮን

👉 1 ሽሕን 635 ሪያል ስዑዲን ኣብ መንበሪ ገዝኡ ብኤግዚቢት ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

እቲ ገንዘብ ሃንደበት ኣብ ገዛ እቲ ጥርጡር ክፍተሽ ካብ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ ኣውፂኡ ብዘካየዶ ተፍትሽ ከምዝተትሓዘ’ውን ፖሊስ እታ ከተማ ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *