“ልምዓት ትግራይ ኣብ ተጋሩ’ዩ ዝምርኮስ!” – ምምሕዳር ከተማ መቐለ።

ከንቲባ ከተማ መቐለ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ኣብ ዙርያ ኢንቨስትመንት ዝተርኣዩን ዝርኣዩ ንዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ሰብ መዋእለ ንዋይ ከተማ መቐለ ሐዚ ኣብ ዘካይድዎ ዘለው መድረኽ ዘተ ከምዝሓበርዎ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝርኣዩ ዘለው ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ናብ ስራሕ ክንኣትው ይግባእ እቲ ምንታይ ልምዓት ትግራይ ኣብ ተጋሩ ስለዝምርኮስ ኢሎም።

ድሕሪ ቁሉዕ ወራር ብዛዕባ ልምዓት ምዝርራብ ኩሎም ፀገማትና ስለዝተፈትሑ ዘይኮነስ ግድን ክንመኻኸርን ክንላዘብን ስለዝግባእ’ዩ ዝበሉ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ኢንቨስትመንት ትግራይ ይኹን ከተማ መቐለ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ ብምኻኑ ናብ ልምዓት ንምእታዉ ቃልሲ የደልይ ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ብዝተኸፈተ ቅሉዕ ወራር ኩናት ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ሰፊሑ እዩ ዝበሉ ኣይተ ይትባረክ ኣምሃ ብፍላይ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ድማ ከቢድ ሃሰያ በፂሕዎ’ዩ ኢሎም።

ልምዓት ትግራይ ኣብ ተጋሩ ዝተመሰረተ እዩ ሰለዝኾነ ድማ ኣብ ኢንቨስትመንት ዝርኣዩ ንዘለው ዕንቅፋታት ብምፍታሕ ናብ ስራሕ ክንኣትው ይግባእ ክብሉ ከንቲባ ይትባረክ ኣምሃ ተዛሪቦም ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *