ህዝቢ ወላይታ ኣብ ልዕሊ ብኮነሬል ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዉድብ ብልፅግና ተቓዉምኡ ከስምዕ ዉዒሉ፡፡

ኣብ ድሮ ኩቡር ብዓል ህዝቢ ወላይታ ‘ጊፋታ’ ሎሚ ብርክት ዝበሉ ንሕቶ ክልል ህዝቢ ወላይታ ኣለዓዒልኩም ኢኹም ዝተብሃሉ ላዕለዎት ሙሁራት ብሄረ ወላይታ ዉድብ ብልፅግና ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምግልባጥ ዉጥን ነይርዎም’ዩ ክብል ብምኽሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክዉዕሉ ምግባሮም ስዒቡ ኣብ ህዝቢ እቲ ዞባ ከቢድ ቁጠዐ ፈጢሩ፡፡ሎምዓንቲ ኣብ ድሮ ኩቡር ብዓል ህዝቢ ወላይታ ‘ዝተብኣሱ ዝዕረቐሉ ፣ ዝተኣሰሩ ዝፍትሕሉ’ ተባሂሉ ብህዝቢ ወላይታ ልዑል እምነት ኣብ ዘንብረሉ መቐይሮ ሓድሽ ዘበን ዉድብ ብልፅግና ብዘቕረበሎም ከቢድ ናይ ምህዞ ክሲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም መሰል ዋሕሶም ብምኽልካሎም ህዝቢ ወላይታ ቁጥዕኡ ሰማይ ዓሪጉ’ሎ ከም ፀብፃብ ደይሊ ኒዉስ ወላይታ፡፡ ሎምዓንቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ላዕለዎት ሙሁራት ብሄረ ወላይታ 1 አይተ ተከተል ላበና ዲን ክፍሊ ትምህርቲ ሕጊ ዩኒቨርስቲ ዎላይታ ሶዶ 2 አይተ ሙሉነህ ወ/ፃድቅ ምክትል ፕረዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዞባ ወላይታ 3 አይተ ዬላጋ መብራቱ ጳውሎስ ፣ 4 አይተ ሃብታሙ ጢሞቲዎስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር ልምዓት ወላይታ 5 አይተ ምህረቱ ኡኬ ሓላፊ መምርሒ ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ወላይታ ዝነበሩ 6 አይተ ተሰፋዬ አበበ ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ወላይታ 7 ወ/ሮ እቴነሽ ኤልያስ ኣባል ተወካሊት ዞባ ወላይታ ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ደቡብን ካኦት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘይኣተዉ እንዳተሃደኑ ክእሰሩ ቤት ፍርዲ ክልል ደቡብ ምዉሳኑ ስዒቡ ሎሚ ኣብ ዞባ ወላይታ ሓድሽ ቁጠዐ ተፈጢሩ’ሎ፡፡እዞም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝወዓሉ ቤት ፍርዲ እቲ ክልል ን19 መስከረም 2013 ዓ.ም ቆፀሮ ምሃቡ ስዒቡ ህዝቢ ቁጥዕኡ ብሰለማዊ ሰልፊ ኽገልፅ ዉዒሉ’ሎ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments