ህዝቢ ከተማ ዘላምበሳ ብምኽንያት ቁሉዕ ወራር ልፍንታውያን ሓይልታት ናይ ዝጨፍጨፍዎም ንፁሃንን ብፅንዓት ተዃሺሖም ክቡር መስዋእቲ ንዝኸፈሉን ተጋደልቲ ንስለዝኽሮም ጥዋፍ ብምብራህን ብሕልና ፆሎትን ዘኪሮም።

ከንቲባ ከተማ ዛላምበሳ ኣይተ ብርሃነ በርሀ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ምብራህ ጥዋፍ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ ህዝቢ ዛላምበሳ ክሳብ ሐዚ መሬቱ ብሓይሊ ተጎቢጡ ሕሱም ግዜ ኣብ ፍቓዶ በዓትን ኣብያተ ትምህርትን የሕልፍ ስለ ዘሎ ህዝቢ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ዕድል ንተፈፃምነቱ ንፅውዕ ኢሎም።

ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ኮይኑ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ሐዚ እውን ሰለማዊ ቃልሲ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ከምዝበሉ ድወት ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *