ከንቲባ ከተማ ዛላምበሳ ኣይተ ብርሃነ በርሀ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝኽሪ ምብራህ ጥዋፍ ተረኺቦም ከም ዝበልዎ ህዝቢ ዛላምበሳ ክሳብ ሐዚ መሬቱ ብሓይሊ ተጎቢጡ ሕሱም ግዜ ኣብ ፍቓዶ በዓትን ኣብያተ ትምህርትን የሕልፍ ስለ ዘሎ ህዝቢ ብመሰረት ውዕሊ ፕሪቶርያ ናብ መረበቱ ዝምለሰሉ ዕድል ንተፈፃምነቱ ንፅውዕ ኢሎም።
ምክትል ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ምብራቕ ኣይተ ገብረ ካሕሳይ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ድማ ውዕሊ ፕሪቶርያ ተግባራዊ ኮይኑ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብ ንቡር ንክምለስ ሐዚ እውን ሰለማዊ ቃልሲ ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና ከምዝበሉ ድወት ፀብፂቡ።