“ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ብራኸ ሰልጣነ ዓለም በፂሑ ዝነበረ ብድሕረት፣ድኽነትን ወፅዓን ሰንሰን ምስበለ’ዩ ቃልሲ ጀሚሩ ህልውንኡን መሰሉን ንምርግጋፅ ክኢሉ።” – ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ ሚካኤል።

ኣቦ ወንበር ውድብ ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ብምኽንያት መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ፓናል ከምዝገለፅዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ልዑል ብራኸ ሰልጣነ ዓለም በፂሑ ዝነበረ ብድሕረት፣ድኽነትን ወፅዓን ሰንሰን ምስበለ’ዩ ቃልሲ ጀሚሩ ህልውናኡን መሰሉን ንምርግጋፅ ክኢሉ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኣሽሓት ዓመታት ዘቑፀረ ታሪኽ ዘለዎ ህዝቢ እዩ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ታሪኽ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ስልጣነ ፣ጀግንነትን ኣይግዝኣን ብሃላይነትን’ዩ ፤ እዙይ ስለዝኾነ ድማ በቢምዕራፉ ንዝገጥምዎ ብድሆታት እናሰገረ ምምፅኡ ገሊፆም።

ቅኑዕ ሓሳብ ሒዝካ፣ተወዲብካ፣ፀገማት ፀበባታት ሓሊፍካ፣ህዝቢ ኣሰልፊካ ዓወት ከምዝመፅእ ዘርእናሉ ሓደ ናይ ታሪኽ ምዕራፍ 11 ለካቲት’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ካብ ህወሓት ንምሃሮ ህዝባውነት ፣ ፍቕሪ፣ስኒት፣ሓድነት’ዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣሕሊፎም።

ናብ ዓወት ዘሰጋገረና ብርክት ዝበለ ኣፅዋር ስለዝነበረና እንተይኮነስ ብዝነበረ ጠንከራ ኣተሓሳስባ ዝተፈጠረ ወታደራዊ ሳይንስን ጥበብን’ዩ ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ዋና እዚ ክብርታት’ዩ ኢሎም።

# ጋዜጠኛ ሑሉፍ ዕቋር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *