“ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ፣ክብሩን መንነቱን ንዘበናት እናተዃሽሐ ዝመፀ ህዝቢ’ዩ።” – ተጋዳሊት ፈትለወርቅ ገብረእግዛብሄር ( ሞንጆሪኖ)

ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ህወሓት ወ/ ሮ ፈትለወርቅ ገብረዝጋብሄር መበል 49 ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ፎረም ደቂ ኣንስትዩ መቐለ ከምዝሓበርኦ

ህዝቢ ትግራይ 11 ለካቲት ብዝተወደበ መንገዲ ብውድብ ህወሓት እናተመርሐ ቓልሱ ኣንፃር ጭቆናን ወፅዓን ዝጀመረሉ’ምበር ሽዑ ጀሚሩ ማለት ኣይኮነን ኢለን።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ታሪኹ ንዘበናት ኣንፃር በደልን ወፅዓን እናተቐለሰ ዝመፀ ህዝቢ እዩ ዝበላ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ህዝቢ ትግራይ ብውድብ ህወሓት እናተመርሐ ቓልሲ እንትጅምር ትግራዋይ ከም ካልኣይ ዜጋ ዝቑፀረሉ ዝነበረ እዋን እዩ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ድማ ድርብ ወፅዓ ይበፅሐን ስለዝነበረ’ዩ ክብላ ገሊፀን።

ውድብ ህወሓትን ደቂ ኣንስትዮን ብዕላማ ዝተኣሳሰራ ምዃነን ዝገለፃ ወ/ሮ ፈትለወርቅ ገ/እግዛብሄር ውድብ ህወሓት መዓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝቕበል፣ንመዓርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝተቓለሰ ውድብ እዩ ኢለን።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *