“ህዝቢ ብጥሜት እናጠፈአ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዉድብን የካይዶ ንዘሎ ነዊሕ መዓልትታት ዘቑፀረ ገምጋም ብትሪʼየ ዝነቕፎ፡፡”- ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ።

ህዝቢ ብጥሜት ኣብ ዝሰሓገሉ ኣብ ዘለሉ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ዉድብን የካይድዎ ንዘለዉ ነዊሕ መዓልትታት ዘቑፀረ ገምጋም ብትሪ ከምዝነቅፍ ኣቦ መንበር ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ እዋናዊ መግለፂ ሓቢሮም።

ንወረዳ ኣበርገለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ንጥሜት ተቓሊዖም ምህላዎምን ንዚኦም ንምሕጋዝ ብወለንታውያን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያ ዝካየድ ዘሎ ምንቅስቓስ ዘድነቝ ኣይተ ክብሮም ፤ እቲ ሓገዝ ዝያዳ ንክሰፍሕ ትካላውነት ቅርፂ ክሕዝ ተላቢዮም ክብል ድወት ኣማስዩ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ፀብፂቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *