ህዝበ ውሳነ ሕቶ ክልልነት ሲዳማ ዝወሃበሉ መዓልቲ ን10 ሕዳር 2012 ዓ/ም ከምዝተናውሓ ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  05/02/2012)እቲ ቦርድ ህዝበ ውሳነ ሲዳማ 3 ሕዳር 2012 ዓ/ም ክወሃብ ትልሚ ሕዙ ምንባሩ ይዝከር፡፡

ቦርድ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ህዝበ ውሳነ ዝወሃበሉ ዕለት ምንዋሑ ገሊፁ፡፡

ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለ፣ እቲ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ዓሊሞም ባይቶ ክልል ደቡብ ሓዊሱ ዝምልከቶም ኣካላት ልዑል ፃዕሪ የካይድ ምህላዎም ሓቢሩ፡

ስለዝኾነ ስራሕቲ ምልመላ ኣፈፀምቲ ሕጋውያን ምምሕዳራዊን ማዕቖፋትን ተወሳኺ ግዘ ዝጠልቡ ብምዃኖም እቲ ህዝበ ውሳነ ንምክያድ ካብ ዝተትሓዘሉ መዓልታት ንክናዋሕ መበገሲ ምኽንያት ምዃኑ ሓቢሩ፡፡

ብመሰረት እዚ ክልል ናይ ምኻን ሕቶ ሲዳማ ህዝበ ውሳነ ዝወሃበሉ ዕለት ናብ 10 ሕዳር 2012 ዓ/ም ከምዝተናውሓ ኣፍሊጡ ይበል

ፀብፃብ ኤፍቢሲ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments