ህንፀት ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ካብ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ካብ ዝርከብ ኣታዊ ብተወሳኺ ካብ ቱሪዝምን ካልኦት ዘፈራትን ዝርከብ ኣታዊ ንክዓቢ ልዑል እጃም ከምዝህልዎ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ እቲ ግድብ ኣፍሊጡ፡፡

(ኤፍኤምመቐለ  04/02/2012)ኣብ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ሚዲያ ኮምኒኬሽን ርክብ ህዝቢ ኣይተ ሃይሉ ኣብርሃም ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እንትዛዘም ሓይሊ ኣቕርቦተ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ሽይጣት በቢ ዓመቱ ካብ ዘፈልፍሎ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 1 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ክረክበ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ቐፀልቲ 4 ዓመታት ህንፀቱ ተዛዚሙ ግልጋሎት ከምዝህብ ዝገለፁ ኣይተ ሃይሉ ዝቕፅል ዓመት 2 ተርባይናል ሓይሊ ምፍልፋል ከምዝጅምሩ ገሊፆም፡፡

ኣብ ሚኒስተር ማይ መስኖን ኢነርጂን ኣማኻሪ ዶብ ተሳገርቲ ሩባታት ኣይተ ተፈራ በየነ ብወገኖም ኣብ ምዕባይ ፍርያት ዓሳን ጠመተ በፃሕቲ ዓድን ልዑል እጃም ክህልዎ እዩ ኢሎም፡፡

ልዕሊ 6 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘፈልፍሉ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ 68 ሚኢታዊ ምብፅሑ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments