ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ካብ 3 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስን ተፈጥራዊ ሳይንስን በብ ዝተቐመጠሉ ዕለት ከምዝወሃብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ፌደራል ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ከምዝገለፆ

ንተምሃሮ ማሕበራዊ ሳይንስ ካብ 3 ክሳብ 5 ሓምለ፣ ንተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ድማ ካብ 9 ክሳብ 11 ሓምለ 2016 ዓ.ም. ኣብ ዘሎ እዋን ብኢንተርነትን ብወረቐትን ፈተና ከምዝወሃብ ዕላዊ ገይሩ።

ኣብ ወረቐት ዝተመርኮሰ ማሕበራዊ ሳይንስ ንዝፈተኑ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 1 ሓምለ 2016 ፤ ካብ 6 ክሳብ 7 ሓምለ 2016 ድማ ተምሃሮ ተፈጥሮኣዊ ሳይንስ ንዝፍተኑ ከምዝወሃብ ገሊፁ።

ፈተንቲን ዝምልከቶም ኣካላትን ኩሎም በዚ ዝወፀ መርሃ ግብሪ ፈተና ግቡእ ምድላዋት ክገብሩ እቲ ሚኒስትሪ ኣተሓሳሲቡ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *