ሃገራዊ ፈተና ተምሃሮ 12 ክፍሊ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣክሱም ይወሃብ ኣሎ።

ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ጆኖሳይዳዊ ኵናት ስዒቡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ሪሒቖም ግዳይ እቲ ጀኖሳይዳዊ ኵናት ኮይኖም ዝፀንሑ ተምሃሮ ትግራይ ካብ ዝሓለፈ ሓምለ 26/ 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም መጠናኸሪ ትምህርቲ ክወስዱ ድሕሪ ምፅናሕ ካብ ሎሚ መስከረም 29 2016 ዓ.ም ጀሚሮም ፈተና ይወስዱ ኣለው።

እቶም ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ዝወስዱ ዘለው ተፈተንቲ ካብ 22 ወረዳታት ዞባ ማእኸል፣ ካብ 18 ወረዳታት ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ፣ ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝተመዛበሉን ናይ ውልቀ ተፈተንትን ሓዊሱ ብሓፈሻ 3293 ተምሃሮ እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዩኒቨርስቲታት መቐለ፣ዓዲግራትን ራያን እውን መጠናኸሪ ትምህርቲ ክወስዱ ዝፀንሑ ተፈተንቲ ተምሃሮ 12 ክፍሊ ካብ ሎሚ መስከረም 29 2016 ዓ.ም ጀሚሮም ፈተና ይወስዱ ኣለው።

ኣብ ትግራይ ልዕሊ 9,500 ተምሃሮ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ክወስዱ ከምዝተመዝገቡ ተፈሊጡ።

ካብ ሎሚ መስከረም 29 /2016 ዓ.ም ጀሚሩ ንተኸታተልቲ ኣርባዕተ መዓልታት ክወሃብ እዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *