11 መስከረም 2016 ዓ/ም
ሃገራዊ ምስጢራት ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ይህብ ነይሩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ኣመሪካዊ – ኢትዮጵያዊ ዝሞቦቆሉን ምስ ክፍሊታት ጉዳያት ወፃእን ፍትሕን ኣመሪካ ዝሰርሕ ኣብርሃም ተክሉ ለማ ዝተብሃለ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ ክሲ ከምዝተመስረቶ ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ ጎረቤት ርእሰ ከተማ ሃገረ ሑቡራት ኣመሪካ ዋሽንግተን-ዲሲ ዝኾነት ክፍለሃገር ቨርጂኒያ ዝነብር ኣብርሃም ተክሉ ለማ ዝተባህለ ሰብ ምስ ስለያ ዝተሓሓዝ ንናይ ወፃኢ መንግስቲ ንምድጋፍ ፤ ስቱር ምስጢራት ሓይልታት ምክልኻል ብምእካብ ወይ ኣሕሊፉ ክህብ ወዲት ብምእላም ከምኡ’ውን ሓበሬታ ምክልኻል ኣመሪካ ካብ ፍቓድ ዝምልከቶ ኣካል ወፃኢ ብምሓዝ ዝብሉ 3 ክስታት ቀሪቦምሉ ከምዘለው ንጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ብምውካስ ቢቢሲ ኣማስዩ ፀብፂቡ።
#ጋዜጠኛ ሓለፎም ንርአ።
ቤት ፅሕፈት ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ እቲ ውልቀሰብ ብቐጥታ ነቲ ሓበሬታ ብቑሉዕ ንኢትዮጵያ ሂብዎ’ኳ እንተዘይበለ ናብታ ስድራቤታዊ ርክብ ዘለዎን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዙሕ ግዜ ዝተመላለሰላን ሃገር ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ኣፍሊጡ’ሎ።
ጋዜጣ ኒውዮርክ ታይምስ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብርሃም ተክሉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ሚስጢር ኣሕሊፉ ብምሃብ ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሓቢሩ’ዩ።
ሰብመዚ ፍሕቲ ኣመሪካን ፈደራላዊ ቢሮ መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ)፡ ከምኡ’ውን ዋና ኣኽባሪ ሕጊ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር መርመራ የካይዱ ከምዘለዉ ብወግዒ ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ኣብርሃም ተክሉ ለማ ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ሑቡራት ኣመሪካ ክኢላ ቴክኖሎጂ ሓበሬታ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፁንሐን ኣብ ክፍሊ ፍትሒ እታ ሃገር’ውን ከም ተንታኒ (ኣናሊስት) ኮይኑ ኣገልጊሉ ስለዝነበረ እቲ ዝነበሮ መዝነትን ባህሪ ስራሕን ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ክረኽቦ ከምዘኽኣሎ’ዮም ሰብመዚ ኣመሪካ ዝገልፁ ዘለዉ።
ካብ ታሕሳስ 2022 ክሳብ ነሓሰ 2023 ኣብ ዝነበረ እዋን ንሃገራዊ ቀያዲ ሕጊ ብምጥሓስ ንሚስጢራዊ ሓበሬታ ክፍሊ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ቀዲሑ ወሲዱ ይብል እቲ ወግዓዊ ቀሪቡሉ ዘሎ ክሲ።
“እቲ ዝወሰዶ ሓበሬታ ምስቲ ዞባ ዝተሓሓዝ’ዩ” ክብል ብሓፈሻ’ኳ እንተገለፆ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ግን እቲ ኣብርሃም ዝወሰዶ ቅዳሕ ሓበሬታ ምስ ሓደ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐስ ዕጡቕ ጉጅለን ምንቅስቐስን ፤ መኣዘዚ ናቑጣታትን ዝምልከት ምዃኑ ፀብፂበን።
ማዕከን ዜና ሲኤንኤን (CNN) ኣብ ዘቃለሖ ፀብፃብ ድማ ሓደ ኣባል ሃገራዊ ፀጥታ ኢትዮጵያ ንኣብርሃም ብዛዕባ ኣንፃር መንግስቲ ዝዋጋእ ንዘሎ ዕጡቕ ጉጅለን ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳቱን ክረክብ ሓቲትዎ ክብል ፀብፂቡ። እንተኾነ ግን እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣየናይ ምዃኑ ብንፁር ዝተገልፀ ነገር የለን።
ኤን-ቢ-ኤስ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣመሪካ ብወገኑ ንሰብ መዚ ፍትሒ ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣብርሃም ብስቱር ኣገባብ ካርታታት ምስልታትን ናይ ሳተላይት ሓበሬታታትን ኣሕሊፉ ይህብ ምንባሩ ሓቢሩ።
ኣብርሃም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ከምዝተመላለሰን ንሓደ ኣባል ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ሓደ ሆቴል ይረኽቦ ከምዝነበረን ቢቢሲ ንተን ማዕከናት ዜና ብምጥቃስ ገሊፁ’ሎ።
እቲ ውልቀሰብ ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸደሎም ግዚያት ዝተሓተሙ ሰነዳት ከምዘረከበን ስቱር ምስጢር (ቶፕ ሲክረት) ብዘይ ፍቓድ ምውሳድ ካብ ዝጅምርን ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምልላሱን ኣብ ዝተፈላለዩ ባንክታት ገንዘብ ኣታዊ ከምዝተገብረሉን ኣብርሃም ነቲ ምስጢራዊ ሓበሬታታት ክህብ ድሉው ምዃኑ ዝገለፀሉ ካብን ናብን ንዝተፀሓሓፎ መልእኽቲ ከምዝረኸቡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ገሊፃም።
ካብ ሞንጎ ካብን ናብን ንዝተፀሓሓፎ መልእኽቲ ተረኺቡ ዘሎ “ሓገዝካ እትቕፅለሉ ግዜ ሕዚ’ዩ” ዝብል መልእኽቲ ካብ ሓደ ብዓልስልጣን ምስተቐበለ ኣብራሃም “ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝብል መልሲ ድሕሪ ምሃቡ “ንዛ ውቅብቲ ሃገር ዘኹርዕ ታሪኻ ንምሕላው ንርእሶም ኣሕሊፈም ዝህቡ ሰባት ኣለዉዋ። ወትሩ ክትዝከር ኢኻ. . .” ክብል ሓደ ስሙ ዘይተፀርሐ ብዓል ስልጣን ንኣብርሃም ዝለኣኸሉ ፅሑፍ ከምዝተረኸበ ሰብመዚ ኣመሪካ ኣብ ዘውፅእዎ መግለፂ ኣፍሊጦም’ለዉ።
ካብ’ቶም ንኣብርሃም ቀሪቦምሉ ዘለዉ ክስታት ብቤት ፍርዲ እንተድኣ ተረጋጊፁ ብመቕፃዕቲ ሞት ወይክኣ ንሕልፈት ማእሰርቲ (ዕድመ ልክዕ) ከምዝቕፃዕ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ ኣብሪሁ’ሎ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ዛጊድ ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።