“ሃገረ ኤርትራ እትርከበን 9 ሃገራት ኣብ ዘይሕጋዊ መስርሕ ምስግጋር ደቂሰብ ሱታፌአን ስለዘዕዘዛ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ኣይህብን!”-ኣመሪካ፡፡

መንግስቲ ሑቡራት ኣመሪካ ከምዝገለፆ ሃገረ ኤርትራ እትርከበን 9 ሃገራት ኣብ ዘይሕጋዊ መስርሕ ምስግጋር ደቂሰባት ሱታፌአን ከምዘዕዘዛ ድሕሪ ምግላፅ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ከምዘይግበረለን ኣፍሊጡ፡፡ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ ግዳይ መልከፍቲ ቫይረስ ምዃኖም ብ1 ጥቅምቲ 2020 ዓ፣ም.ፈ. ናብ ፀሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ማይክ ፕምፖዮ ኣብ ዝመርሕዎ ደብዳቤ ከምዝገለፅዎ ኤርትራ እትርከበን ብሩንዲ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቻይና፣ ኢራን፣ ኩባ፣ ኒኳራጓ፣ ሩስያን ሶርያን ፤ኣብ ምግታእ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ እወንታዊ ምትሕብባር ክሳብ ዘርእያ ካብ መንግስቲ ኣመሪካ ሓገዝ ኣይክግበረለንን’ዩ፡፡እቲ እገዳ ሓገዝ ካብ ሓሙስ 1 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም.ፈ ኣትሒዙ ክሳብ መወዳእታ ዓመተ 2021 ዓ.ም.ፈ. ከምዝፀንዕን እንተኾነ ግን ንለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ኢቮላን ብፍሉይ ንዝልገስ ከምዘየጠቓልል መንግስቲ ኣመሪካ ኣፍሊጡ’ሎ ክብል ሬድዮ ኤረና ሎሚ ኣማስዩ ፀብፂቡ፡፡


0
0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments