USAID Ethiopia ንከተማ መቐለ ኣብ ፕሮደክት ህንፀት ቀረብ ዝስተ ማይን ፅሬትን ተጠቃሚት ንምግባር ዘኽእል ሰነድ ስምምዕ ከቲሙ።

USAID Ethiopia ኣብ ከተማ መቐለ ህንፀት ቐረብ መስተማይ ፣ስነ ፅሬትን ስልጠና መዕበይ ዓቕሚ ስራሕቲ ንምስራሕን ዘኽእል ምስ ቢሮ ማይንን ኢነርጅን ትግራይ ስነድ ክልትኣዊ ከምዝኸተመ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተኸተመ ስነድ ስምምዕነት (Memorandum of Understanding) ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ብመንገዲ ኣርባን ዋሽ ዝተብሃለ ትካል ኣብ 10 ዓበይቲ ከተማታት ኣብ ህንፀት ቐረብ መስተ ማይን ፅርየትን ምስ ዝነጥፍ ከምዝኸተመን ፤ እቲ ስምምዕ ሰነድ ካብ ሞንጎ’ተን 10 ከተማታት – ከተማ መቐለ ናይዚ ፕሮግራም ተጠቃሚት ንምግባር ዘኽእል ክልትኣዊ ስምምዕ ከምዝኾነ ዕላዊ ገፅ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ሐዚ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ገሊፁ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *