ኣብ ከተማ እንትጮ ንስድራ ስዋኣትን ሓርበኛታት ተመለስቲ ተጋደልትን ዘሳተፈ ብኣስታት 46.7 ሚልዮን ቅርሺ ንዝስርሑ ዘለው ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓት ላዕለዎት ሰብ መዚ ጊዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ዑደት ኣሳሊጦም።

ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ከተማ እንትጮ ኣብ ዕላዊ ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ዜና ከምዝሓበሮ ኣፍታ ከተማ ንስድራ ስዋኣትን ሓርበኛታት ተመለስቲ ተጋደልትን ዘሳተፈ ብኣስታት 46.7 ሚልዮን ቅርሺ ንዝስርሑ ዘለው…

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ኣብ መወዳእታ ምዕራፍ መስርሕ ምንፃፍ ቅጥራን (ካርታመ) በፂሑ።

ኣብ ኣኽሱም መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮውሃንስ ራብዓይ ዝስራሕ ዘሎ ናይ መወዳእታ ምጅማር ምንፃፍ ኣስፋልትን ስራሕቲ መሰረተ ልምዓትን ዝግምግም ዑደት ተሳሊጡ ። ኣብቲ ዑደት ሓላፊት ቢሮ…

ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦን ሱር ኮንስትራክሽንን ንጋንታት 70 እንደርታ መቐለ ፣ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራትን ሱሑል ሽረን ንነፍስወከፈን 7 ሚልዮን ብር ብድምሩ 21 ሚልዮን ብር ኣበርኪተን።

ኩባንያታት ትእምት ዝኾና ፋብሪካ ስሚንቶ መሰቦን ሱር ኮንስትራክሽንን ብሓባር ብምኽንያት ኲናት ንዝተዳኸመ ስፖርት ትግራይ ንምብርባር ብምዕላም ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ንዝሳተፋ 3 ጋንታታት ኩዕሶ እግሪ…

ጉዱሳት ነባር ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ብ189 ሽሕ ብር ወፃኢ ዝዓደግዎ ደረጅኡ ዝሓለወ ፍራሽ ስፖርት ሰርከስ ብምዕዳግ ንማእኸል መሰልጠኒ ሰርከስ ትግራይ ብሓገዝ ለጊሶም።

እቶም ጉዱሳት ኣባላት ሰርከስ ትግራይ ንዚ ሓገዝ ዘበርከቱ ሰርከስ ትግራይ ኣብ ተተካእቲ ምፍራይ ንእትገብሮ ምንቅስቓስ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ ዕላዊ ገፅ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ገሊፁ። ኣብዚ…

ኣብ ወረዳ ፅራእ ወንበርታ ከተማ ኣጉላዕ ብልዕሊ 22 ሚልዮን ብር፣ ስድራ ስውኣትን ዝተሰናበቱ ተጋደልትን ዘሳተፈ ስራሕቲ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ ይሳለጥ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪት ከይዲ ስራሕ ደኣንትን ማኑፋክቸሪንግን ወይዘሮ ሰላም ግደይ ንሓበሬታን ርክብን እቲ ወረዳ ከምዝበለኦ እቲ ዝሳለጥ ዘሎ ምንፃፍ ፅሩብ እምኒ 95 ደቂ ኣንስትዮ…

ምምሕዳር ከተማ ዓብይ-ዓዲ ን129 ብኽብሪ ንዝተመለሱ ሓርበኛታትን ስድራ ስውኣትን መስርሕን መሸጥን ቦታ ዓዲሉ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ዕደላ ዝተረኸቡ ከንቲባ ከተማ ዓብይ-ዓዲ ኣይተ ኣታኽልቲ ፀጋይ ከምዝገለፅዎ ኣብ በጀት ዓመት 2016 ዓ/ም ንምስራሕ ዝተትሓዘ መስርሕን መሸጥን ቦታ ምዕዳል ብትልሚ መሰረት ን129…

“ተመዛበልቲ ወገናት ክረምቲ ቅድሚ ምእታዉ ናብ መረበቶምን ንቡር ህይወቶምን ክምለሱ ጭቡጥ ስራሕ ምስራሕ ናይ ቀዳምነት ቀዳምነት ክወሃቦ ይግባእ።” – ውድብ ናፅነት ትግራይ (ውናት)።

ዉድብ ውናት ኣብ ዘውፀኦ እዋናዊ መግለፂ ብፍላይ ምስ ምእታው ክራማት ተተሓሒዙ ኣብ ምምላስ ተመዛበልቲ ወገናት ክፍጠር ዝኽእል ዓንቀፍቀፍ ብኣጋ ንክፍታሕ ብዕቱብ ክስራሕ ፀዊዑ። ካብ መዓልቲ…

ቤት ፅሕፈት መሬትን ማዕድንን ወረዳ ሓውዜን ፣ ምዕሩይ ስርዓት ምሕደራ መሬት ንኸሰፍን ፣ ትኹረት ሂቡ ይሰርሕ ምህላው ኣፍሊጡ።

ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ጠዓመ ገ/መድህን ፣ ምዕሩይ ስርዓት ምሕደራ መሬት ንኸሰፍን ፣መስርሕ ተሓታትነት ብምዝርጋሕ ፣ህዝቢ ዘሳተፈን ምስ መሓውር መሬት ጣብያታትን መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዶም…

መዓልታዊ ንሓምሳ ዓቅሚ ዘይብለን ነፍሰፁር ኣዴታት ነፃ ሕክምና ኣገልግሎት ከምዝህብ ማእኸል ሕክምና ኣዴታትን ህፃናትን ማርች 8 ኣፍሊጡ።

እቲ ነፃ ግልጋሎት ሕክምና ነፍሰፁር ኣዴታት ሰኣን ዓቅሚ ግልጋሎት ሕክምና ንሞትን ሕማምን ንከይቃለዓ ኣብ ማእኸል ሕክምና ኣዴታትን ህፃናት ማርች 8 መፂኤን ሙሉእ ግልጋሎት ጥዕና ንኽረኽባ…