ኤፍ ኤም መቐለ

104.4 Radio FM mekelle

አርዕስተ ዜና
Display # 
Title
ፖርክ ኢንድስትሪ ሃዋሳ ሃገርና ኣብ 2017 ዓመተ ፈረንጂ ቀዳማይ ማእኸል ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ ንምዃን ንዝሓዘት ትልሚ መሰረት እዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ፡፡
ዓለም ለኸ መዓልቲ ስደተኛታት ንፈለማ ኣብ ሃገርና ምኽባሩ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገርን ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቢላ ንዘዕቐበት ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ዝሃበ እዩ ኢሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ፡፡
ቅድሚ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኮልፎ ቀራንዮ ብልሙድ ቆሸ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዝበፅሓ ሓደጋ ምፍራስ እኩብ ጓሓፍ ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ 94 ነጥቢ 5 ሚሊዮን ብር ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ከም ዝተኣከበ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳኝ ምስ ሚኒስተር ድኤታ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኳታር መሓመድ ቢን ኣብድራህማን ኣልተን ካብ ቤት ፅሕፈቶም ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም፡፡
ኣብ ወረዳ ሓውዜን ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ ብዝበጀቶ ልዕሊ 19 ሚሊዮን ቅርሺ ህንፀቱ 65 ሓደሽቲ ማእኸለዎት መስተ ማይ ይህነፃ ኣለዋ ኢሉ ቤት ፅሕፈት ሃፍቲ ማይ ማዕድንን ኢነርጂን እታ ወረዳ፡፡
ኢትዮጵያን ፖክስታንን ክልቲኣዊ ርክበን ንክጠናኸር ተስማዕሚዐ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ካብ ዓለም ለኸ ዩንቨርስቲ ቢዝነስን ኢኮኖሚክስን ቤጂንግ ማዕርግ ክብሪ ፕሮፌሰርነት ተዋሂብዎም፡፡
ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝግበር ፃዕሪ ንምዕዋት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣጀንዳኦም ገይሮም ክሰርሕሉ ከም ዝግባእ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣተሓሳሲቡ፡፡
ካብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዝተወፃፅኡ ደገፍትን ኣባላትን ኣርባዕቲኤን ኣሓት ውድባት ኢህወዴግ ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ታሪካዊ ቦታት ምጅማር ዕጥቃዊ ቃልሲ እተን ውድባት ዑደት ጌሮም ፡፡
ግልጋሎት መስመር ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲ ንምጅማር ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ይፃፈፍ ኣለው፡፡